ዮውሃንስ
ቤት ትምህርቲ ምምራሕ መኪና
ትምህርትታት
ካብ መምህር ትራፊክ ክሳብ መስራቲ ቤት ትምህርቲ
መምህር ምምራሕ መኪና ኮይነ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ዓመታት፣ ከም ሞያዉን ህዱእን መምህር ኰይነ ድልዱል ዝና ሃኒጸ። ትኹረተይ ኩሉ ግዜ፣ ንኹሉ ተማሃራይ ምቹእ፣ ድራኸ ዝስምዖ፣ ውሑስ፣ ምትእምማን ዘለዎን ሃዋህው ምፍጣር እዩ ነይሩ። ጀመርቲ ይኹኑ ኣቐዲሞም ኣብ ካልኦት ሃገራት መኪና ክመርሑ ዝጸንሑ ወይ ‘ዉን ምኩራት መራሕቲ መካይን ኮይኖም ክእለቶም ከሐይሉ ንዝደልዩ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ተማሃራይ ወትሩ ብትዕግስትን ምስ ፍሉይ ድሌታቶም ብዝሰማማዕ ትምህርትን እየ ዝሕዞ። ድሕሪ ናይ ሓያሎ ዓመታት ተመኩሮ ኣብ’ዚ ዓዉዲ-ስራሕ፣ ኣብ ሞያይ ዝቕጽል ስጉምቲክወስድ ግዜኡ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ስለ’ዚ ድማ ናይ ገዛእ ርእሰይ ቤት-ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ክምስርት ተበጊሰ። እቲ ራእይ፣ ዝተረጋገጸ ኣገባብ ኣመሃህራ ምስ እዋናዊ ቴክኖሎጂ ዘወሃህድ ቤት-ትምህርቲ ምህናጽ እዩ። ዕላማይ፣ ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ውጽኢታውን መሳጥን ንምግባር እዩ። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ፣ ምስ ነፍሲ-ወከፍ ተምሃራይ ዝግበር ውልቃዊ ርክብ ተመሃራይ ማእከል ዝገበረ ክኸዉን ምጽዓር እዩ። እዚ ማለት ድማ፣ ምዕባለ ናይ’ቲ ተማሃራይ ቀዳምነት ብምስራዕ ከረጋግጾ እደሊ። እዚ ንተማሃሮይ ከካፍሎም ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ጉዕዞ እዩ። በቲ ንመጻኢ መራሕቲ መካይን ንምምሃር ዘለኒ ተመኩሮን ኒሕን፡ ነፍሲ-ወከፍ ተማሃራይ ውሑስ ኮይኑ ዝስምዖ፡ ድራኸ ዘለዎን ኣብ ዕላማኡ ንምብጻሕ ድሉው ኮይኑ ንኽስምዖን ዘኽእል ቤት-ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ክሃንጽ ከም-ዝኽእል ድማ ርግጸኛ እየ።
ጽዑቕ ኮርሳት
ርኸቡና
ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ወይ ኮርስ ክትሕዙ ምስ እትደልዩ ክትራኸቡ ድሕር ኣይትበሉ!
📍 ኣድራሻ : Sörgårdsvägen 24, 163 51 ስፓንጋ
📞 ስልኪ : 073-572 76 46
📧 ኢመይል : yohannestrafiskola@gmail.com
ኣብ ክንዲ ምድዋል ክትጽሕፍ እንተደሊኻ እውን ነቲ ኣብ የማን ዘሎ ቅጥዒ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።
ካባኹም ክንሰምዕ ብሃንቀውታ ንጽበ!
ናይ ስራሕ ሰዓታትና።
-
ሰኑይ - ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 09፡00 - 17፡00
-
ቀዳም፡ ካብ ሰዓት 10፡00-14፡00
-
ሰንበት: ዕጽው እዩ !